ብዙሓት ሰባት፣ እንኮላይ መናእሰይን ዓበይቲን፣ ኣብ መዋእሎም ወሲባዊ ጸገማት የጋጥሙዎም። እዚ ንቡር እዩ።
መብዛሕትኦም ወሲባዊ ጸገማት ድሕሪ ግዜ ዝጠፍኡ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት እዮም ዝመጹ:
- ጭንቂ;
- በሽታ;
- ድኻም;
- ናይ ርክብ ጸገማት;
- ካብ ናይ ስጋዊ ርክብ ህይወቶም ዝተፈላለየ ትጽቢት ዘለዎም መጻምድቲ።
ልሙዳት ወሲባዊ ጸገማት
ልሙዳት ወሲባዊ ጸገማት እዞም ዝስዕቡ እዮም:
- ዋላሓንቲ ወይ ትሑት ወሲባዊ ቃሕታ;
- ሓዲኦም ካብቶም መጻምድቲ ዋላሓንቲ ወሲባዊ ቃሕታ ዘይብሎም ይኾኑ ወይከኣ ትሑት ቃሕታ ይህልዎም;
- ንቑጽ ርሕሚ;
- ናይ ዘይምውታር ጸገም;
- ጥርዘውነ ዘይምህላው፣ ወይከኣ ኣዝዩ ቀልጢፉ ዝመጽእ ጥርዘውነ;
- ካብቶም ጭዋዳታት ጎሎኣዊ ባይታ ዝመጽእ ብዙሕ ውጥረት;
- ቃንዛ ኣብ እዋን ምስላዅ መትሎ