ብዙሓት ሰባት፣ እንኮላይ መናእሰይን ዓበይቲን፣ ኣብ መዋእሎም ወሲባዊ ጸገማት የጋጥሙዎም። እዚ ንቡር እዩ።
መብዛሕትኦም ወሲባዊ ጸገማት ድሕሪ ግዜ ዝጠፍኡ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት እዮም ዝመጹ:

ልሙዳት ወሲባዊ ጸገማት

ልሙዳት ወሲባዊ ጸገማት እዞም ዝስዕቡ እዮም:

ኣዝዩ ብዙሕ ፖርኖግራፊ

ፖርኖግራፊ ምርኣይ ቅቡል እዩ፣ ግን ኣዝዩ ብዙሕን እናሻዑን ክኸውን እንከሎ ግን ጸገም ክፈጥር ይኽእል እዩ። ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ወሲባዊ ትጽቢታት ክህልወካ ክገብር ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ማሕበራዊ ህይወትካ ጽልዋ ከሕድረልካ ወይከኣ ኣብ ርክብካ ዘይምቅዳው ከስዕበልካ ይኽእል እዩ።