እዚ ገጽ ንፈተሸ ናይ ውልቃዊ ሓበሬታ፣ እንኮላይ ንኣጠቃቅማ ናይ ኩኪስ ኣብ Zanzu.no ዝምልከት ሓበሬታ ሒዙ ይርከብ። ምስ ምብጻሕ ናይ Zanzu.no ዌብሳይት ዝተኣሳሰር ፈተሸ ውልቃዊ ሓበሬታ ብሓላፊ ክፍሊ ጥዕና እዩ ዝመሓደር።

ኣብ’ቲ zanzu.no ዝብል ዌብሳይት ብጽሑ

ዝኾነ ሰብ ዌብሳይትና ክበጽሕ ከሎ ኩሉ ግዜ እቲ ሲስተምና ካብ ኮምፒተር ናይ’ቲ ተጠቃሚ ብቀጥታ ዳታን ሓበሬታን ይእክብ። እዚ ዝስዕብ ዳታ እዩ ዝእከብ፣ ግን ከኣ ድሕሪ ምጥቃም ክኽዘን ከሎ ብምስጢራዊ መልክዕ ጥራሕ እዩ ዝቕመጥ፡

  • ገለ ክፋል ናይ IP ኣድራሻ ናይ’ቲ ተጠቃሚ ስርዓተ ደወል፣ በሕጽሮ መልክዕ ይዕቐብ
  • ሰዓትን ንውሓት ግዜን ናይ’ቲ ምብጻሕ
  • ኣብ እዋን ምብጻሕ ዝተኸፈቱ ገጻትን ፋይላትን
  • ቅድሚ ዌብሳይትና ምብጽሑ እቲ ተጠቃሚ ዝበጽሖ ዝነበረ ዌብሳይት (መወከስታ ገጽ)
  • እቶም ተጠቃሞ ነቲ ዌብሳይት ንምርካብ ዝተጠቅምሉ መፈተሺ/search ቃላት፣ ከምኡ’ውን ኣብ እዋን ውሽጣዊ ፈተሸ/search ዝተጠቅምሉ መፈተሺ/search ቃላት
  • ብመንገዲ ኣብ ዌብሳይትና ዘለዉ መራኸቢ ሊንክስ ናብ ካልኦት ደጋዊ ዌብሳይት ዝተኻየደ ምብጻሕ
  • ናይ ተጠቃሞ ሲስተም ሓበሬታ(ዓይነት ኦፐሬቲንግ ሲስተም/ operating system ፣ ብራውዘር/ browser ፣ ናይ ብራውዘር ቋንቋ/browser language፣ ዓይነት መሳርሒ፣ ስክሪን ሬዞሉሽን/ screen resolution)

ንግዝያዊ ምዕቓብ ዳታን ሎግ ፋይላትን ኣብ እዋን ምብጻሕ ሳይት ዝምልከት ሕጋዊ መሰረት ኣብ ዓንቀጽ 6 ትሕቲ-ዓንቀጽ 1(f) ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሓፈሻዊ ናይ ዳታ ምክልኻልን ቁጽጽርን (EU’s General Data Protection Regulation) ይርከብ።

እቲ ሓላፊ ክፍሊ ጥዕና ናይ Zanzu.no ሰርቨር ኣገልግሎታት ካብ መሰረቱ ኣብ ጀርመን ዝኾነ Hetzner Online GmbH, እዩ ዝገዝእ። ስለዚ ድማ ናይ’ቲ ሳይት ኩሉ ትራፊክ ናብቶም ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ሰርቨራት እዩ ዘምርሕ።

እቲ ኖርዊጅያን ሓላፊ ክፍሊ ጥዕና ናይ ጉግል ኣናሊቲክስ መሳርሒ ብምጥቃም እዩ ናይ’ቲ ሳይት ቁጽሪ በጻሕቲ፣ እቲ ሳይት ብኸመይ ኣብ ጥቅሚ ይውዕልን እቲ መበገሲ (ሃገር/ቦታ) ናይ’ቲ ሳይት ትራፊክን ዝከታተል። IP ኣድራሻታት ብቀጥታ እዮም ዝሕብኡ፣ ስለዚ ድማ ነቶም በጻሕቲ ከተለልዮም ኣይከኣልን እዩ።

እዚ ኣቀዲሙ ዝተጠቅሰ ዳታ ምፍታሽ ኣጠቃቅማ በጻሕቲ ዌብሳይትና ንምግምጋም የኽእለና። ነዚ ዝተኣከበ ዳታ ምግምጋም ድማ ንኣጠቃቅማ ውልቃዊ ክፋላት ናይ’ቲ ዌብሳይት ዝምልከት ሓበሬታ ንምእካብ የኽእለና። ዳታ ምእካብ ዕላምኡ ድማ እቲ ዌብሳይት ሸቶታቱ ከምዘመዝገበ ንምግምጋምን ቀጻሊ ድማ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ሳይት ንምምሕያሽን እዩ

ኣጠቃቅማ ኩኪስ

ኩኪስ በጻሕቲ ዌብሳይትና ብቀሊሉ ንኽጥቀምሉ እዩ ዝሕግዝ። ድሕሪ ገጽ ምልዋጥ፣ ናይ’ቲ ተጠቃሚ ብራውዘር/browser ንኽልለ ገለ ክፋላት ናይ’ቲ ዌብሳይት ይሓቱ እዮም።

ኩኪስ ጽሑፋዊ ፋይላት ኮይኖም ኣብ’ቲ ብራውዘር/browser ወይ ኣብ ብራውዘር ናይ’ቲ ተጠቃሚ ኮምፒተር ሲስተም እዮም ዝዕቐቡ። ዝኾነ ተጠቃሚ ሓደ ዌብሳይት ክበጽሕ ከሎ፣ ሓደ ኩኪ ኣብ ናይ’ቲ ተጠቃሚ ኮምፒተር ሲስተም ክኽዘን ይኽእል። እዚ ኩኪ ድማ እቲ ዌብሳይት እንደገና ክኽፈት ከሎ ነቲ ብራውዘር ዘለልዮ ፍሉይ መለለዪ ፈትሊ ሒዙ ይርከብ።

ነቲ ዌብሳይትና ትበጽሐሉ ዘለኻ ፋልማይካ እንተኾይኑ ብዛዕባ ኣጠቃቅማ ኩኪስ ሓበሬታ ክመጸካ እዩ። እዚ ሓበሬታ ("We use cookies") ኣብ ላዕለዋይ ወይ ታሕተዋይ ክፋል ናይ’ቲ ብራውዘር ዊንዶው/browser window ክርአ እዩ። እዚ መልእኽቲ ክሳብ ነቲ "ሕራይ" ዝብል ትጸቕጦ ቀጻሊ ክርአ እዩ።

ኣብ ብራውዘርካ(ንኣብነት፥ Internet Explorer/Edge, Mozilla, Firefox, Google Chrome, Opera) ኩኪስ ፍቃድ እንተረኺቦም፣ ኣብ ዌብሳይትና ክሳብ ሾሞንተ ዝኾኑ ኩኪስ ክዕቐቡ እዮም፡

_gat_gtag_UA_131083561_1

  • ዓይነት: ክትትል
  • ንውሓት ግዜ: 10 ደቓይቕ
  • ንጥፈት: ኣብ ልዕሊ ቁጽሪ ጠለባትን ኣብ ብዙሕ ትራፊክ ዘለዎም ቦታታት ምእካብ ዳታን ገደብ ንምግባር ዝጠቅም።

_ga

  • ዓይነት: ክትትል

  • ንውሓት ግዜ: 2 ዓመት

  • ንጥፈት: ብመንገዲ ናይ ዓሚል-ID፣ ናይ በጻሕቲ ስታቲስቲክስ ንምድላው ዝጠቅም

_gid

  • ዓይነት: ክትትል
  • ንውሓት ግዜ: 1 መዓልቲ
  • ንጥፈት: ኣጠቃቅማ መንገዲ ናይ’ቲ ዌብሳይት ንምምዝጋብ ዝጠቅም

_rspkrLoadCore

  • ዓይነት: ኣገልግሎት
  • ንውሓት ግዜ: ምውዳእ ናይ ምብጻሕ
  • ንጥፈት: Readspeaker ንምጽዓን ዝጠቅም

has_js

  • ዓይነት: ኣገልግሎት
  • ንውሓት ግዜ: ምውዳእ ናይ ምብጻሕ
  • ንጥፈት: ጃቫስክሪፕት (JavaScript) ተወሊዑ ከምዘሎ ንምርግጋጽ ዝጠቅም

personalization.language

  • ዓይነት: ኣገልግሎት
  • ንውሓት ግዜ: 1 ሰሙን
  • ንጥፈት: ምርጫታት ቋንቋ ንምዕቓብ ዝጠቅም

selectedLanguage

  • ዓይነት: ኣገልግሎት
  • ንውሓት ግዜ: 1 ዓመት
  • ንጥፈት: ምርጫታት ቋንቋ ኣብ መንጎ ትበጽሐሉ ግዜ ንምዕቓብ ዝጠቅም

cookieconsent_status

  • ዓይነት: ኣገልግሎት
  • ንውሓት ግዜ: 1 ሰሙን
  • ንጥፈት: እቲ ተጠቃሚ ኩኪስ ንምጥቃም እንተተሰማሚዑ፣ ሓበሬታ ንምዕቓብ ዝጠቅም

ኣድለይቲ ኩኪስ ብምጥቃም ንፈተሸ ውልቃዊ ዳታ ዝምልከት ሕጋዊ መሰረት ኣብ ዓንቀጽ 6 ትሕቲ-ዓንቀጽ 1(f) ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሓፈሻዊ ናይ ዳታ ምክልኻልን ቁጽጽርን (EU’s General Data Protection Regulation) ይርከብ። ንጉዳይ ንክትትል ዝሰርሑ ኩኪስ ዝምልከት ሕጋዊ መሰረት ኣብ ዓንቀጽ 6 ትሕቲ-ዓንቀጽ 1(a) (ኣብ ፍቃድ/ስምምዕ-ዝተመርኮሰ) እዩ።

ዕላማ ናይ ቴክኒካዊ ኣድለይቲ ኩኪስ (technically necessary cookies) ንኣጠቃቅማ ናይ’ቲ ዌብሳይት ንምስላጥ እዩ. ገለ ክፋላት/ኣገልግሎታት ናይ ዌብሳይትና ብዘይ ኩኪስ ኣይሰርሑን እዮም። ነዚኦም ድማ ዋላ ድሕሪ ምልዋጥ ገጽ እቲ ብራውዘር ክልለ ኣለዎ።

እቲ ዌብሳይት ናይ ክትትልን ገምጋምን ኩኪስ (tracking and analytics cookies) ዝጥቀም መታን ብቕዓት ናይ’ቲ ዌብሳይትን ትሕዝትኡን ንምምሕያሽ እዩ። ብመንገዲ ናይ ገምጋም ኩኪስ፣ ኣጠቃቅማ ናይ’ቲ ዌብሳይት ከመይ ምዃኑ ንመሃር። እዚ ድማ ነቲ ንህቦ ኣገልግሎት ቀጻሊ ንምምሕያሽ የኽእለና። ናብ’ቲ ዌብሳይት ፋልማይ ዝበጽሕ እንተሎ፣ እቲ ተጠቃሚ ናይ ክትትልን ገምጋምን ኩኪስ (tracking and analytics cookies) ንምጥቃም ፍቃድ ክህብ ኣለዎ።

ኩኪስ ኣብ ኮምፒተር ናይ’ቲ ተጠቃሚ እዮም ዝኽዘኑ፣ ብድሕሪኡ ድማ ዳታ ካብ’ቲ ኮምፒተር ናብ ዌብሳይትና የሰጋግሩ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ልዕሊ ኣጠቃቅማ ኩኪስ ንስኻ ከም ተጠቃሚ ምሉእ ቁጽጽር ከምዘለካ እዩ ዘመልክት. ናይ ብራውዘርካ settings ብምቅያር፣ ምስግጋር ናይ ኩኪስ ክትክልክል ትኽእል ኢኻ። ኦሮማይ ዝተኸዘኑ ኩኪስ ኣብ ዝኾነ ግዜ ክድምሰሱ ይኽእሉ እዮም። እዚ’ውን ብቀጥታ ክግበር ይከኣል እዩ። 

ድሕሪ ምብጻሕካ ንኩሎም ኩኪስ በብሓደ ባዕልኻ ክትድምስሶም ትኽእል ኢኻ፣ ወይ ድማ ብራውዘርካ ብቀጥታ ከምዝድምስሶ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኩኪስ እንተደኣ ተኸልኪሎም፣ ኩሉ ክፋል ናይ’ቲ ዌብሳይት ከይትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

ጽንባረ ናይ ሳልሳይ ኣካል ኣገልግሎታትን ትሕዝቶን

ኣብ ዌብሳይትና ትሕዝቶ ወይ ኣገልግሎት ካብ ሳልሳይ ኣካል ወሃቢ ኣገልግሎት ንጥቀም ኢና።

እዚ ድማ ሳልሳይ ኣካል ወሃብቲ ኣገልግሎት ናይ ተጠቃሞ IP ኣድራሻ ኦሮማይ ይፈልጥዎ እዮም ብዝብል ግምት እዩ፣ ስለምንታይ ነቲ ዝደለኻዮ ትሕዝቶ ንምስዳድ ስለዘድልዮም። ስለዚ ድማ ትሕዝቶ ንምልኣኽ እቲ IP ኣድራሻ ኣድላዪ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ እቲ ወሃቢ ኣገልግሎት IP ኣድራሻ ዘድልዮ እንተኾይኑ ጥራሕ ከምንጥቀም ርግጸኛ ንኽንከውን ድሌትና እዩ። ብተወሳኺ ሳልሳይ ኣካል ወገናት ‘pixel tags’ (ሕቡእ ግራፊክስ, ዋላ’ውን ‘web beacons’ ተባሂሎም ዝፍለጡ) ዝተበሃሉ ነገራት ንስታቲስቲካዊ ዕላማታት ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ‘Pixel tags’ ከም ቁጽሪ በጻሕቲ ናይ ዝተፈላለዪ ገጻት ናይ’ዚ ዌብሳይት ዝመስል ሓበሬታ ንምግምጋም እዩ ጥቅሞም። እዚ ምስጢራዊ ሓበሬታ ብመልክዕ ኩኪስ እንኮላይ ኣብ መሳርሒ ናይ’ቲ ተጠቃሚ ክኽዘን ይኽእል። *ብዛዕባ ብሳልሳይ ወገን ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝእከብ ዓይነት ዳታን ዕላምኡን ንምፍላጥ ዝያዳ ሓበሬታ እንተደኣ ደሊኻ፣ ብኽብረትካ ነቲ ብሕታውነት ፖሊሲ ናይ ነፍስወከፍ ሳልሳይ ወገን (respective providers' privacy policies) ኣንብብ።

ንጥቀመሎም ሳልሳይ ወገን ኣገልግሎታትን ትሕዝቶን እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

ReadSpeaker

ነቲ ካብ ጽሑፍ ናብ ድምጺ ዝልውጥ (text-to-speech) ትሕዝቶ ናይ ReadSpeaker ካብ ReadSpeaker, Dolderseweg 2A, 3712 BP Huis ter Heide, Netherlands ኣብ’ዚ ነጠቃልሎ ኢና

ብሕታውነት ፖሊሲ https://www.readspeaker.com/nb/personvernpolitikk/ 

ዝያዳ ንምፍላጥ ድሌት ኣለካ ዶ?

እቲ ሓላፊ ክፍሊ ጥዕና ንውልቃዊ ዳታ ብኸመይ ይፍትሽ ንምፍላጥ፣ ከምኡ’ውን ምስ’ዚ ጉዳይ ዝተኣሳሰሩ መሰላትካ ንምፍላጥ፣ ነቲ ናይ ሓላፊ ክፍሊ ጥዕና ብሕታውነት ፖሊሲ ኣብ helsedirektoratet.no ተመልከት።

ብዛዕባ ፈተሸ ውልቃዊ ሓበሬታ ብሓላፊ ክፍሊ ጥዕና ከምኡ’ውን ኣጠቃቅማ ኩኪስ ዘለዉኻ ሕቶታት፣ ነቲ ናይ ምክልኻል ዳታ ሰራሕተኛ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ personvernombud@helsedirektoratet.no ረኺብካ ሕተት።

ንሞያውያን

ብዛዕባ ወሲባዊ ጥዕና ምስ ተሓከምቲን ዓማዊልን ከመይ ትዘራረብ? Zanzu ኣብ ኣገልግሎት ምኽሪን ትምህርቲን ከመይ ክሕግዝ ይኽእል?

ዝያዳ ሓበሬታ ንሞያውያን

ሓገዝ የድልየኩም? ናይ ጥዕና ሞያዊ ርኸብ

ሓገዝ

ብዛዕባና

እቲ Zanzu ዝብል ንድፈ-ሓሳብ ብሰብመዚ ጥዕና ጀርመን (BZgA) ከምኡድማ ብ Sensoa እዩ ተፈጢሩ። እቲ ዳሬክቶሬት ጥዕና ኖርወይ ን Zanzu ኣብ ኖርወይ ከምዝጠቅም ገይሩ ኣዳልዩዎ ኣሎ።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባና