ናይ ኤችኣይቪ ምርመራ

ኤችኣይቪ መብዛሕትኡ ግኤ ኣብ መጀመርያ እዋናት ብግልጺ ዝረኣዩ ምልክታት ኣይህልዉዎን። መብዛሕትኡ ግዜ ኤችኣይቪ ከምዘለካ ክትፈልጥ ኣይትኽእልን: ተመርመር። ርግጸኛ ኮንካ እትፈልጠሉ እንኮ መንገዲ እዚ እዩ።

ኣብ ኖርወይ ናይ ኤችኣይቪ ምርመራ ንክትረክብ ኣይትኸፍልን ኢኻ። እቲ መርመራ ዘካይድ ኣካል ሚስጢራዊነት ናይ ምሕላው ግቡእ ኣለዎ

ምልክታት

ብዙሓት ሰባት ብኤችኣይቪ ምስተታሕዙ ኣብ መጀመርያ ምልክታት ኣይረኣዩዎምን።

ምናልባሽ ምልክታት እንተተራእዮምኻ፣ እቶም ምልክታት ምስ ሰዓል ዝመሳሰሉ እዮም:

  • ረስኒ;
  • ድኻም;
  • ሕቡጥ ሊምፍ ጽኪታት።
  • ሹፍታ ኣብ ቆርበት;
  • ዘሕኽኹ ጭዋዳታትን መጋጥማትን

ኤችኣይቪ እንተልዩካሞ ኣፋውስ ዘይትወስድ እንተኾንካ፣ እቲ ኤችኣይቪ ብኣጋ ንስርዓት ምክልኻል ሕማማት ሰውነትካ ከዳኽሞ እዩ። ሰውነትካ ድሕሪ ሕጂ ንገዛእርእሱ ካብ ረኽሲታት ክከላኸል ዝኽእለሉ ዓቕሚ የብሉን። 

ሰባት ኤችኣይቪ ከምዘለዎም ብዓይንኻ ብምርኣይ ጥራይ ምፍላጥ ኣይከኣልን።

ምስ ናይ ጥዕና ሞያዊ ምዝርራብ