ናይ ዘይተሓካመ ኤችኣይቪ ምልክታት

ዘይተሓከመ ኤችኣይቪ ዘለዎ ሰብ እዞም ዝስዕቡ ምልክታት ክረኣዩዎ ይኽእሉ:

  • ናይ ፈለማ ሰሙን: ንሱ/ንሳ ሰዓል መሰል ምልክታት፣ ሹፍታ ወይከኣ ዝሓበጠ ሊምፍ ጽኪታት ዝኣመሰሉ ምልክታት ክረኣዩዎ ይኽእሉ። 
  • ድሕሪኡ ምልክታት ዘይብሉ ግዜ ኸኣ ይስዕብ።
  • ድሕሪ ቁሩብ ግዜ (እዚ 2 ዓመት ወይ ዝያዳ ክኸውን ይኽእል) ንሱ/ንሳ ሓደሽቲ ሕማማት ከምኡድማ/ወይድማ እተፈላለዩ ሓደሽቲ ምልክታት ክረኣዩዎ ይኽእሉ። 
  • ኤችኣይቪ ንስርዓት ምክልኻል ሕማማት ሰውነት እዩ ዘጥቅዕ። ኤችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ዘይሕከም እንተኾይኑ ድሕሪ ብዙሕ ብኤይድስ ይተሓዝ። እቲ ስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ሰውነት ኣዝዩ ድኹም ስለዝኸውን ንሱ/ንሳ ንኻልኦት ብዙሓት ረኽሲታት ክሳጣሕ ይኽእል። እዞም ረኽሲታት ሞት ከስዕቡ ይኽእሉ።

እናተሓከምካ ምስ ኤችኣይቪ ምንባር

ኤችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ብኣግኡ እንድሕር ተሓኪሙ፣ ኤችኣይቪ ኣብ ልዕሊ ጥዕናኡ/ጥዕናኣ ዘስዕቦም ሳዕቤናት ሃስያኦም ትሑት ይኸውን። ንሱ/ንሳ ጥዑይ ህይወት ይመርሑ ጥራይ ዘይኮነስ ክንዲ እቲ ኤችኣይቪ ዘይብሉ ሰብ ዝነብሮ መዋእል ይነብሩ።

ኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት እንድሕር ተሓኪሞም ንሱ/ንሳ ብመከላኸሊ ኣልቦ ስጋዊ ርክብ ናብ ካልእ ሰብ ዘመሓላልፉሉ ስግኣተ-ሓደጋ ዳርጋ የለን።

ናይ ኤችኣይቪ ምርመራ

ኤችኣይቪ ከይህልወካ ትጠራጠር እንተኾንካ ተመርመር። ናይ ኤችኣይቪ መርመራ ካብ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኖርወይ፣ ብዙሓት ከተማታት ክትምርመረሎም እትኽእል ብፍሉይ ኣብ ወሲባዊ ጥዕና ዝሰርሑ ክልኒካት ይውንና። ናይ ሓኪም ሓገዝ ሕተት ወይከኣ ናይ ሓገዝ ኣገልግሎት ኣዘራርብ