ሕክምናዊ ክንክን መብዛሕትኦም ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ክፍውስ ወይከኣ ምልክታቶም ክሕክም ይኽእል እዩ። ሓደ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ዘለዎ ሰብ ክሕከም እንተዘይክኢሉ:

ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ እንተሎካሞ እንድሕር ዘይተሓኪምካ፣ ንመጻምድትኻ ክትልክም ትኽእል።  

ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ኣለኒ ዝብል ጥርጣረ እንድሕር ኣለካ ንዶክተር ተዛረብ።

ቀልጢፍካ እንድሕር ተሓኪምካ፣ ናይቲ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ሳዕቤናት ይንክዩ። ቀልጢፍካ እንድሕር ተሓኪምካ፣ መብዛሕትኦም ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ኣብ ጥዕናኻ ከቢድ ሃስያ ከየስዓቡ ክሕከሙ ወይከኣ ምልክታቶም ክጠፍኡ ይኽእሉ እዮም።