ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ኣለኒ ዝብል ጥርጣረ እንድሕር ኣለካ፣ ናብ ዶክተር ኬድካ ክትምርመር ትኽእል ኢኻ።
ነጻ ኾንካ ምስቲ ዶክተር ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ንሱ/ንስኺ ንዓኺ/ኻ ንኽሕግዘኪ/ንኽትሕግዘካ ክንዲ ዝተኻእለ ብዙሕ ሓበሬታ ክረክብ/ክትረክብ ኣለዎ/ዋ። እቲ ዶክተር ንዓኻ ዝምልከት ሓበሬታ ንኻልእ ኣሕሊፉ ክህብ ኣይክእልን። ንሱ/ንሳ ስትረትኪ/ካ ክሕሉ/ክትሕሉ ብሕጊ ይግደድ/ትግደድ እዩ/ያ።
ናይ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ መርመራ
እቲ ምርመራ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ እዩ ዝካየድ:
- እቲ ዶክተር እንታይ ዓይነት ስጋዊ ርክብ ጌርካ ኔርካ፣ ምልክታት ተራእዮምኻዶ ይፈልጡ፣ እንታይ ዓይነት ምልክታት ነይሮም ዝብሉ ሕቶታት ክሓተካ እዩ።
- ገለ ምልክታት እንድሕር ኔሮምኻ፣ እቲ ዶክተር ነቶም ብቕሉዕ ዝረኣዩ ወሲባዊ ኣካላትካ፣ ኣፍካን ወይድማ መሃንቱስካን ክምርምረካ እዩ።
- እቲ ዶክተር እንታይ ዓይነት መርመራታት ከምዘድልዩኻ ይርኢ። እዚ ናይ ሽንቲ መርኣያ፣ ናይ ርሕሚ፣ ናይ ጎሮሮ ወይ ናይ መሃንቱስ ሕሳስ፣ ወይከኣ ናይ ደም መርኣያ ክኸውን ይኽእል።
- እቲ ዶክተር ነቶም መርኣያታት ክምርመሩ ናብ ላብራቶሪ ይሰዶም።
- እቲ ዶክተር ነቶም ውጽኢታት ኣስታት ድሕሪ 1 ሰሙን ይቕበሎም።
- እቲ ዶክተር እቶም ውጽኢታት ይገልጸልካ ኣብ ቀጻሊ ብዛዕባ ዝውሰዱ ስጉምቲታት እውን የዕልለካ። ኣገዳሲ እንተኾይኑ ከኣ፣ ንሱ/ንሳ መሕከሚ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ዝኾኑ ኣፋውስ ይህቡኻ። መብዛሕትኦም ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ክፍወሱ ይኽእሉ እዮም ወይከኣ ምልክታቶም ይሕከሙ።