እቲ ሆርሞናዊ IUD

እቲ ሆርሞናዊ IUD ሓደ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ። እቲ ሆርሞናዊ IUD ናይ t-ቅርጺ ዘለዎ ፐላስቲክ ትቦ እዩ። ሆርሞን ዝሓዘ እዩ።

እቲ ሆርሞናዊ IUD ከመይ እዩ ዝሰርሕ

እቲ ሆርሞን ነቲ ኣብ ውሽጢ ዕልቋቕ ዘሎ ፍረዘርኢ ከምዘይንቀሳቐስ ይገብሮ። እቲ ፍረዘርኢ ናብ ማህጸን ወይከኣ ናብቲ ዝበጽሐ እንቋቑሖ ክግዕዝ ኣይክእልን። ብምኽንያት እቲ ሆርሞን፣ እቲ እንቋቑሖ ንገዛእርእሱ ናብቲ ናይ ማህጸን ገበር ክሰርጽ ኣይክእልን።

  • ዶክተር፣ ናይ ሕብረተሰብ ጥዕና ነርስ ወይከኣ መሕረሲት ነቲ IUD ናብ ማህጸንኪ ከእትዉልኪ እዮም። እዚ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዘቐንዙ እንተኾይኑ፣ እቲ ዶክተር ጸረ ቓንዛ ክህበኪ ይኽእል እዩ።
  • እቲ ሆርሞናዊ IUD ንሰልተ ዓመታት የገልግል። ንሓሙሽተ ዓመት ዘገልግሉ ሆርሞናዊ IUDs እውን ኣለዉ። ድሕሪ ሰለስተ ወይ ሓሙሽተ መዓልቲ፣ እቲ IUD ናይ ግድን ክትካእ ኣለዎ።
  • ናይቲ ሆርሞን ጥምጣም ምስተሰኹዐ፣ ክልተ ኣብ ጫፍ ርሕሚ ዝበጽሑ ፈትሊታት ከምዘለዉ ክስመዓኪ እዩ። ካብቲ ክሳድ ማህጸን ወጽዮም ስለዝንጥልጠሉ፣ እቲ IUD ኣብ ዝውገደሉ እዋን ብቐሊሉ ስሒብካ ንምውጻእ ይጠቕሙ።
ጠጠው ዝበለት ጓልኣነስተይቲ። እቲ ጠመተ ኣብ ውሽጣዊ ወሲባዊ ኣካላት እዩ ዘሎ።
ኣብ ማህጸን ዝቕመጥ IUD። 2 ፈትሊታት ካብቲ ማህጸን ወጻኢ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ርሕሚ ይተርፉ።

ማዕረ ኽንደይ የተኣማምኑ

እቲ ሆርሞናዊ IUD ብግቡእ እንድሕር ተቐሚጡ ኣዝዩ ዘተኣማምን እዩ። ይኹን እምበር፣ ገለ ጸረ ኤችኣይቪ ኣፋውስ ኣድማዒነቱ ክንክይዎ ይኽእሉ እዮም። ሳሕቲ ግን እቲ IUD ክመሉቕ ይኽእል እዩ።

ኣብ ጥዕናኺ ዘስዕቦ ሃስያ

እቲ ሆርሞናዊ IUD ሆርሞን ዝሓዘ እዩ። እቲ ሆርሞን ኩሉግዜ ኣብ ልዕሊ ጥዕናኺ ዘስዕቦ ሃስያ የለን። ገለ ኣንስቲ ፈጸጋ ይወጸን፣ ኣጥቧተን የሳሕየን፣ ናይ ባህርያት ምልውዋጥ የጋጥመን፣ ወይከኣ ርእሰን የሕመን። እቶም ጎድናዊ ሃስያታት ኩሉግዜ ኣብ መጀመርያ ክብድ ይብሉ፣ ቀስብቐስ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ይገድፉኺ። እቲ ጸገም ክሓድግ እንድሕር ዘይክኢሉ ካልእ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ክትቅይሪ ትኽእሊ ኢኺ። 

ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያትኪ ቅልል ዝበለ ይኸውን ምናልባሽ ሙሉእብሙሉእ ክጠፍእ እውን ይኽእሉ እዩ።

ክትጠንሲ እንተደሊኺ፣ እቲ IUD ኣወግድዮ።

ምክልኻል ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ኤችኣይቪን

እቲ ሆርሞናዊ IUD ስጋዊ ርክብ ብምግባር ካብ ዝመሓላፉ ሕማማት ወይ ኤችኣይቪ ኣይከላኸልን። ኮንደም ጥራይ እዩ ክከላኸለልኪ ዝኽእል።

ናይ ነሓስ IUD

እቲ ናይ ነሓስ IUD ሓደ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ። እቲ ናይ ነሓስ IUD ናይ t-ቅርጺ ዘለዎ ፐላስቲክ ትቦ እዩ። ናይ ነሓስ ፈትሊ ኣብ ዙርያ እቲ IUD ተጠምጢሙ ይርከብ።

እቲ ናይ ነሓስ IUD ከመይ ይሰርሕ

  • እቲ ናይ ነሓስ IUD ናይ ፍረዘርኢ ምንቅስቓስ ይዓግት።
  • ነቲ እንቋቑሖ ናብቲ ናይ ማህጸን ገበር ከይኣቱ ይኽልክሎ።

ዶክተር፣ ናይ ሕብረተሰብ ጥዕና ነርስ ወይከኣ መሕረሲት ነቲ IUD ናብ ማህጸንኪ ከእትዉልኪ እዮም። እዚ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዘቐንዙ እንተኾይኑ፣ እቲ ዶክተር ጸረ ቓንዛ ክህበኪ ይኽእል እዩ።

እቲ ናይ ነሓስ IUD ንሓሙሽተ ዓመት ብግቡእ የገልግል። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት እቲ IUD ናይ ግድን ክትካእ ኣለዎ።

እቲ IUD ምስ ተሰኩዐ፣ ክልተ ኣብ ጫፍ ርሕሚ ዝበጽሑ ፈትሊታት ከምዘለዉ ክስመዓኪ እዩ። ካብቲ ክሳድ ማህጸን ወጽዮም ስለዝንጥልጠሉ፣ እቲ IUD ኣብ ዝውገደሉ እዋን ብቐሊሉ ስሒብካ ንምውጻእ ይጠቕሙ።

ማዕረ ኽንደይ የተኣማምኑ

እቲ ናይ ነሓስ IUD ብግቡእ እንድሕር ተቐሚጡ ኣዝዩ ዘተኣማምን እዩ። ሓደሓደ ግዜ እቲ IUD ሸተት ክብል ይኽእል እዩ። ሳሕቲ ግን እቲ IUD ክመሉቕ ይኽእል እዩ።

ኣብ ጥዕናኺ ዘስዕቦ ሃስያ

እቲ ናይ ነሓስ IUD ሆርሞን ዝበሃል የብሉን። እቲ ናይ ነሓስ IUD ጽግያትኪ ኣይንክየልኪን። ክትጠንሲ እንተደሊኺ እቲ IUD ኣወግድዮ።

ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያትኪ ቁሩብ ክብድ ዝበለን ቃንዛ ዝሓወሰን ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መጀመርታ፣ ኣብ መንጎ ክፍለ ግዜታት ወርሓዊ ጽግያት ቁሩብ መድመይቲ ከጋጥመኪ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት በቢኣርባዕተ ሰሙን ትድምዪ ዝነበርኪ ቶሎቶሎ ክደምዪ ትኽእሊ ማለት እዩ። ሓደሓደ ግዜ ከኣ ድሕሪ ወይ ቅድሚ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ከብድኺ ቃንዛ ክስመዓኪ ይኽእል እዩ።

ምክልኻል ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ኤችኣይቪን

እቲ ናይ ነሓስ IUD ብስጋዊ ርክብ ዝመሓለለፉ ሕማማት ወይከኣ ኤችኣይቪ ኣይከላኸልን። ኮንደም ጥራይ እዩ ክከላኸለልኪ ዝኽእል።