እቲ ናይ ሰበይቲ ኮንደም ሓደ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ። እቲ ናይ ደቂኣነስትዮ ኮንደም ኣብ ኖርወይ ብዙሕ ልሙድ ኣይኮነን፣ ግን ኦንላይን ክዕደግ ይኽእል እዩ።  

እቲ ናይ ጓልኣነስተይቲ ኮንደም ካብ ጎማ ዝተሰርሐ ከረጢት እዩ። እቲ ከረጢት ኣብ ክልቲኡ ጫፋት ተዓጻጻፊ ዓንኬል ኣለዎ: ረቂቕ ደጋዊ ዓንኬልን ረጒድ ውሽጣዊ ዓንኬልን። እቲ ሰብኣይ ምስ ኣፍሰሰ ነቲ ዕልቋቕ ኣዕቚሩ ይሕዞ። 

ኣተኣታትዋ ኮንደም ጓልኣነስተይቲ

ቅድሚ መትሎ ምስላኹ ናይ ጓልኣነስተይቲ ኮንደም ኣእትዊ። በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ኣእትዎ:

  • ናይ ኣገልግሎት ግዜኡ ዘየብቀዐ ምዃኑ ፈትሺ። ኣብ ሽፋኖም ጽፈት CE ዝተጠቀዐሎም  ኮንደማት ጥራይ ተጠቐሙ። 
  • ነቲ ኮንደም ብውሽጡን ብደገኡን መለስለሲ ግበሩሉ። 
  • ነቲ ውሽጣዊ ዓንኬል ረምጥጥዮ። 
  • እቲ ኮንደም ናብ ውሽጢ ርሕሚ ሰኩዕዮ። 
  • 1 ኣጻብዕቲኺ ኣብ ውሽጢ እቲ ኮንደም ኣእቲኺ ነቲ ዓንኬል ክንዲ ዝኸኣልኪ ድፍእዮ። እቲ ኮንደም ከምዘይተኸብሰን እቲ መትሎ ኣብ እዋን ምስላዅ ኣብ ውሽጢ እቲ ኮንደም ከምዘሎ ምርግጋጽ የድሊ። 
  • እቲ ደጋዊ ዓንኬል ነቲ ኮንደም ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ ካብ ቦትኡ ፈንተት ከምዘይብል ጌሩ ይሕዞ። ካብ ኣካላትኪ ወጻኢ ኮይኑ ንዙርያ ርሕሚኺ ከቢቡ ይሽፍን። 
  • ድሕሪ ስጋዊ ርክብ፣ እቲ ደጋዊ ዓንኬል ሒዝኪ ቁሩብ ጽቕጥ ብምባል ጎቲትኪ ኣውጽእዮ። ዕልቋቕ ፈጺሙ ምስ ርሕሚ ከይተናኸፍ ተጠንቀቒ።
  • እቲ ዘገልግለ ኮንደም ናብ ናይ ጓሓፍ ሻንኬሎ ሰንድዎ። 

ነቲ ኮንደም ሓደሻብ ጥራይ ተጠቐመሉ። 

ናይ ኣገልግሎት ግዜኡ ዘየብቀዐ ምዃኑ ፈትሺ። ኣብ ሽፋኑ ደረጃ ጽፈት CE ዝገልጽ ጽሑፍ ዝተጠቐዐሉ ኮንደም ጥራይ ተጠቐሙ።
ነቲ ኮንደም ብውሽጡን ብደገኡን መለስለሲ ግበሩሉ።
ነቲ ውሽጣዊ ዓንኬል ረምጥጥዮ።
ነቲ ኮንደም ናብ ውሽጢ ርሕሚ ኣእትውዮ።
ነቲ ኮንደም ናብ ውሽጢ ርሕሚ ኣእትውዮ።
1 ኣጻብዕቲኺ ኣብ ውሽጢ እቲ ኮንደም ኣእቲኺ ነቲ ዓንኬል ክንዲ ዝኸኣልኪ ድፍእዮ።
እቲ ደጋዊ ዓንኬል ካብ ኣካላትኪ ወጻኢ ኮይኑ ንዙርያ ርሕሚኺ ከቢቡ ይሽፍን።
እቲ ደጋዊ ዓንኬል ነቲ ኮንደም ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ ካብ ቦትኡ ፈንተት ከምዘይብል ጌሩ ይሕዞ።
ድሕሪ ስጋዊ ርክብ፣ እቲ ደጋዊ ዓንኬል ሒዝኪ ቁሩብ ጽቕጥ ብምባል ጎቲትኪ ኣውጽእዮ።
እቲ ዘገልግለ ኮንደም ናብ ናይ ጓሓፍ ሻንኬሎ ሰንድዎ።

ኤችኣይቪን ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ምክልኻል

እቲ ናይ ጓልኣነስተይቲ ኮንደም ኤችኣይቪ ይከላኸል ከምኡድማ ብስጋዊ ርክብ ንዝመሓላለፉ ሕማማት ናይ ምቅላዕ ስግኣተ-ሓደጋ ይንኪ።