ናይ ፈለማ ስጋዊ ርክብ ንምግባር ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ዝበሃል ግዜ የለን። ናይ ፈለማ ስጋዊ ርክብ መዓስ ክትገብሩ ከምዘለኩም ናይ ምውሳን መሰል ኣለኩም። 

ናይ ፈለማ ስጋዊ ርክብ ክትገብሩ ክትሓስቡ እንከለኹም ቁሩብ ክጨንቀኩምን ድሕነት ዘይክስመዐኩምን ንቡር እዩ። ኩሉሰብ እዞም ስምዒታት ኣለዉዎ። እዞም ስምዒታት ኣዝዮም ሓያላት እንተኾይኖም፣ ንስጋዊ ርክብ ድሉዋት ዘይክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም። ምናልባሽ ቁሩብ ምጽናሕ ከድልየኩም ይኽእል።

ናትኩም ምርጫ እዩ

ስጋዊ ርክብ ብፍቓድካ ክትገብር ኣገዳሲ እዩ። ሰባት ፍቓዶም ክህቡ ዝኽእሉሉ ዝተሓተ ደረት ዕድመ ብሕጊ ተቐሚጡ እዩ

ብተወሳኺ ናይ ፈለማ ስጋዊ ርክብ መዓስ ክትገብሩ ከምዘለኩም እውን ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም። ንኣብነት: ቅድሚ ወይ ድሕሪ መርዓ። እንታይ ከምትደልዩ ብጥንቃቐ መርምሩ። ንገዛእርእስኺ ቅንዕቲ ኩኒን ግቡእ ምኽንያታት ምረጺን። እቲ ውሳነ ናትኪ ጉዳይ እዩ።
ዝኾነ ሰብ ክደፋፍአኪ ከይትፈቕዲ። ስጋዊ ርክብ ከሕጉሰኩም ዝኽእል ክልቴኹም ድሉዋት እንተኾንኩም ጥራይ እዩ። መጻምድትኺ ምርጫኺ ከኽብረልኪ ይግባእ። እንታይ ከምትደልዪን ከመይ ከምዝስመዓኪን ንመጻምድትኺ ንገሪ። 

ኣብ ናይ ፈለማ ስጋዊ ርክብ ጥራይ ዘይኮነስ ኩሉ ግዜ ስጋዊ ርክብ ኣብ እትገብርሉ እዋን ብድሌትኪ ክኸውንን ጽቡቕ ክስመዓኪን ኣለዎ።