ምንጻል ጥንሲ ጥንስኺ ቅድሚ ሕርሲ ንምቁራጽ ዝግበር ሕክምናዊ መስርሕ እዩ።

እታ ሰበይቲ ክሳዕ መበል 12. ናይ ጥንሲ ሰሙን ኣብ ዘሎ ግዜ ምንጻል ጥንሲ ክትገብር ትደሊ እንተኾይና ባዕላ እያ ትውስን።  ድሕሪ 12. ናይ ጥንሲ ሰሙን እውን ጥንሲ ምቁራጽ ይከኣል እዩ፣ ግን ሽዕኡ ክማልኡ ዘለዎም ረቛሒታት ኣለዉ። 

ሜላታት ምንጻል ጥንሲ

ክልተ ሜላታት ምንጻል ጥንሲ ኣለዉ: ብመድሓኒት ዝግበር ምንጻል ጥንሲን ብመጥባሕቲ ዝግበር ምንጻል ጥንሲን (መጢጥካ ምውጋድ)። ክልቲኦም ክሳዕ መበል 12. ናይ ጥንሲ ሰሙን ኣብ ዘሎ ግዜ ክካየዱ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኖርወይ፣ ብመድሓኒት ምንጻል ጥንሲ ምክያድ ልሙድ እዩ።

  1. ጥንሲ ብመድሃኒት ምንጻል፡ እዚ ኣብ ገዛን ኣብ ሆስፒታልን ክግበር ይክኣል እዩ። ምንጻል ጥንሲ ኣብ ገዛኺ ኴንኪ ንምክያድ ዕድሜኺ ልዕሊ 18 ዓመት ክኸውን ኣለዎ። ናይ ጥዕና ጸገማት ክመጽእ ይኽእል ዝብል ስግኣት ወይ ናይ ቋንቋ ምርድዳእ ጸገም እንተ ሃልዩ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ውን እንተኾነ (ዋላ ጥንሲ ትሽዓተ ሰሙን ቅድሚ ምምልኡ) ኣብ ገዛ ኴንካ ምሳዳድ ኣያከኣልን እዩ። ጥንስኺ ኣብ ሆስፒታል ኴድኪ ብመድሃኒት እንድሕር ነጺልክዮ፡ መጀመርያ ኣብቲ ሆስፒታል እንከለኺ ሓደ ከኒና ክትወስዲ ኢኺ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ (መብዛሕትኡ ግዜ) ድማ ተመሊስኪ ብምምጻእ ተወሰኽቲ ከኒናታት ክትወስዲ ኢኺ። ጥንስኺ ኣብ ገዛ እንድሕር ነጺልክዮ ከኣ እቲ ናይ መጀመርያ ከኒና ኣብ ሆስፒታል ኬድኪ ኢኺ ትወስድዮ። እቶም ዝተረፉ ከኒታት ከኣ ኣብ ክንዲ ናብ ሆስፒታል ትምለሲ ሽዕኡ ሒዝክዮም ንገዛኺ ትኸዲ። መነጸሊ ጥንሲ መድሃኒት ማህጸን ከምዝጭበጥ ድሕሪ ምግባሩ፡ እቲ ድቂ ተደፊኡ ንኽወጽእ ይሕግዝ። ቁሩብ መዓልቲ ክትደምዪ ኢኺ።

  2. መጢጥካ ምውጋድ: እዚ ኣብ ሆስፒታል እዩ ዝካየድ። እቲ ዶክተር ሓፈሻዊ መደንዘዚ ይገብረልኪ። እቲ ዶክተር ናይቲ ማህጸን ትሕዝቶታት መጡጡ የውጸኦም እቲ ናይ ማህጸን ገበር ድማ ይበታተኽ። እቲ መጥባሕታዊ ስርሒት 10 ደቓይቕ ይወስድ። 

ሓንቲ ሰበይቲ መጻምድታ ከይፈቐደላ ምንጻል ጥንሲ ክትገብር ትኽእል እያ።

ምንጻል ጥንሲ ኣብ ቀጻሊ ካብ ምውላድ ኣይዓግተኪን። 

ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ሕቶታት እንተለዉኺ

ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ሕቶታት እንተለዉኺ፣ ንዶክተርኪ ከተዛርቢ፣ ወይድማ ምስቲ ንመንእሰያት ኣገልግሎት ዝህብ ማእከል ጥዕና ሕብረተሰብ ወይ ምስ ናይ ቤት-ትምህርቲ ነርስ ቆጸራ ክትሕዚ ትኽእሊ ኢኺ። ብተወሳኺ ከተዘራርብዮም እትኽእሊ እተፈላለዩ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት እውን ኣለዉ።

ምንጻል ጥንሲ ክገብራ ንዝሓሰባ ኣንስቲ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ንእትህብ Amathea እውን ከተዘራርቢ ትኽእሊ ኢኺ።