ገለ ሰባት ቆልዑት ክወልዱ ይደልዩ፣ ካልኦት ከኣ ኣይደልዩን።

ቆልዑት ክትወልዲ እንድሕር ዘይትደልዪ፣ ጸገም የብሉን። ቆልዑት ክትወልዲ ዘገድደኪ ኣካል የለን። ዝደለኽዮ ናይ ምምራጽ መሰል ኣለኪ።
ምናልባሽ ቆልዑት ክትወስዲ ትደልዪ፣ ግንከኣ ዘይተዳለኺ ክትኮኒ ትኽእሊ ኢኺ። ቆልዑት እትወልድሉ ግዜ ክትመርጺ ትኽእሊ ኢኺ።

ቆልዑት ናይ ምውላድ (ገና) ድሌት እንድሕር ዘይብልኪ፣ ስጋዊ ርክብ ክትገብሪ እንከለኺ መከላኸሊ ጥንሲ ተጠቐሚ። ብዛዕባኡ ምስ መጻምድትኺ ተዘራረቢ።