ዓበቕ
ዓበቕ ብቐጥታዊ ናይ ቆርበት ምትንኻፍ፣ ንኣብንተት ኣብ እዋን ወሲብ ይመሓላለፍ። ምሕኻኽን ኣብ መንጎ ኣጻብዕቲ፣ ወይድማ ኣብ ጉምቦ ኢድ ወይ ኣብ ከባቢ ኣካላት ርሕሚ ዝፍጠር ሓፈውን ገለ ካብቶም ምልክታት እዮም። ኮንደማት ዓበቕ ኣይከላኸሉን። ዓበቕ ኣብ ውሽጢ ቆርበት ብዝነብር ባልዕ (ኣዝዩ ደቂቕ እንስሳ) እዩ ዝመጽእ። ዓበቕ ካብ ፋርማሲ ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ዝዕደግ ንባልዕ ዝቐትል ቅብኣት ተጠቒምካ ከተወግዶ ትኽእል። ናይ ዓራት ኣንሶላታት፣ ሽጎማነታትን ክዳውንቲን ብ 60 ዲግሪ ሙቐት ክሕጸቡ ኣለዎም።