ትራንስ ሰባት
ትራንስ ሰባት ካብቲ ክውለዱ እንከለዉ ዝተዋህቦም ጾታዊ መንነት ዝተፈልየ ጾታዊ መንነት ዘማዕበሉ ሰባት እዮም። ናይ ሰብኣይ ሰውነት ሃልዩዎም፣ ግን ናይ ሰበይቲ ስምዒት ክህልዎም ይኽእል። ወይከኣ ናይ ሰበይቲ ሰውነት ሃልዩዎም፣ ግን ናይ ሰብኣይ ስምዒት ክህልዎም ይኽእል። እቲ ቅርጺ ሰውነት ምስቲ ዝስምዐሞ ስምዒት ከምዝሳነይ ጌርካ ንምቕያር፣ መጥባሕቲ ክግበረሎም ከምኡድማ / ወይድማ ሆርሞናት ክወስዱ ይኽእሉ እዮም።