ናይ ርሕሚ ዕንፍሩራት

ናይ ርሕሚ ዕንፍሩራት ልሙድ ብወሲብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ (STI) እዩ። ምልክታት ናይዚ ረኽሲ መሕኻኽ ከምኡድማ ኣብ ኣካላት ብልዒትን መሃንቱስን ብግልጺ ዝረኣዩ ዕንፍሩራት የጠቓልሉ። ኣብ እዋን ወሲብ ኮንደም ምጥቃም ናይ ረኽሲ ስግኣተ-ሓደጋ ይንኪ። ናይ ርሕሚ ዕንፍሩራት ኤችፒቪ ብዝባሃል ቫይረስ እዮም ዝመጹ። ገለ ዓይነታት ናይ ርሕሚ ዕንፍሩራት ዝከላኸል ክታበት ኣሎ። ብግልጺ ዝረኣዩ ናይ ርሕሚ ዕንፍሩራት ብዶክተር ክውገዱ ይኽእሉ እዮም።

Genital warts

Genital warts is a common sexually transmitted infection (STI). Symptoms include itching and visible warts on genitals or the anus. Using a condom when having sex reduces the risk of infection. Genital warts are caused by a virus called HPV. A vaccine against protects against some forms of genital warts. Visible genital warts can be removed by a doctor.